Friday, February 17, 2012

ቃና ዘገሊላ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን!!!


 ቃና ዘገሊላ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ጥምቀቱ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብጋህዲ እቲ ቀዳማይ ተኣምራቱ ዝፈጸመላ እያ። ጐይታ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ቀዳማይ ተኣምሩ ዝፈጸመሉ ኣብ ቤት መርዓ ናይ ዶኪማስ ነበረ። (ዮሓ 2፡1-11)
ቃና ዘገሊላ ዝሓዘለቶ ምስጢር ብዙሕ ‘ኳ እንተኾነ ካብቲ ብዙሕ ሓደ ግና ናይ ወላዲን ውሉድን ምእዙዝነት እዩ። ብጽሑፍ ንዝሃበና ትእዛዝ ብግብሪ ንኸርእየና፡ ቅደስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ “ወይኒ እምበር የብሎምን” እንክትብሎ መድሐኔ ኣለም ከኣ “ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ” ኢሉ ክእዘዛ ንርኢ። እዚ ከኣ ምእዙዝነት ደቂ ተዋህዶን ቤተ ክርስቲያንን ይምሰል። 
 ነዚ ቅዱስ ኣጋጣሚ ተጠቂማ ቃና ዘገሊላ ንኹሎም መእመን ናይ ዕድመ ወረቀት ብምስዳድ ነቲ ብከሃሊነት ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ ተኣምር ንኽምስክሩ ትዕድም። ብርሃ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ንኹሉ ምእንቲ ከርብሕ ንኹሉ ኩሉ ኾንኩ” ከም ዝበለ ቃና ዘገሊላ ንኹሉ ክትከውን ብርትዓ ሃይማኖት ተደሪኽና ክንሳተፍን ማዕዳን ሃናጺ መንፈሳዊ ርኢቶታትን ናይ ምልጋስ ባህሪ ከነጥሪ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና። ኣቀዲማ ሽግር ናይ ቤት ዶኪማስ ዝተረደአት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብቲ ዝጎደለና ብጀካ ሓጥያት ክምልኣልና ንፍቁር ወዳ ከተማልደልና ንልምና። ከምቲ ማይ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ልብናን ኣእምሮናን ምስትውዓልናን ናብ’ቲ ቅዱስ ቃሉን ምምላእ ፍቓዱን ዝወስድ ጎደና ነኸተቅንዓና ንምሕጸና። 


ቃና ዘገሊላ

No comments:

Post a Comment