Tuesday, July 31, 2012

ጸሎት 3ይክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
ጸሎት
ብመንጽር ብሂል አበው፡ 3ክፋል
ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ
ንጸሎት ምድላው።
1.     ሓሳባትናን ኅልናና ምጥርናፍ። (ኣብ ግዜ ጸሎት ንቁሓት ምዃን)

v       ቅዱስ መቓርዮስ፡ “ንጸሎት ምስ ተንሣእካ፡ ምንቅስቓስካ ሓሉ። ምኽንያቱ ካብቲ ብጸሎት ትረኽቦ  በረኸት ጸላእቲ ሠናያት ክምንጥሉኻ ተዳልዮም ስለዘለው። ኣብ ድልየታት ነፍስኻ ኣይትሕሰብ። ኣምላከ ሰማይ ወምድር ለይትን መዓልትን ከተገልግሎ ስለዝደሊ፡ ብሓሳባትካ ኣብ ኰንቱነት ዓለም ኣይትጥሓል። ብልሳንካ ከተመስግኖን ክትቅድሶን ጥራይ ኣይኮነን ዝደልየካ፡ ምቛምካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብኹልትናኻ ክኸውን ይግባእ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና ብኣንቃዕዶ ልቦና ሓሳባትካ ከይተራቐቅካ ክትጽሊ ዝደልየካ ።”


v ቅዱስ ሙሴ ጸሊም ድማ፡ “ዘረፍቲ ኣትማን ከይምንጥሉኻ ኣብ ጸሎት ንቑሕ ኩን”። ይብሉ።

v ኣባ ሰራብዮን፡ “ወተሃደራት ንጉሥ ኣብ ቅድሚኡ ጠጠው ከም ዝብሉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም ግልጽ ክብሉ ዘይከኣሎም፡ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንጸሎት ምስ ዝቖውም፡ ኅልንኡን ጠርኒፉ ሓሳባቱ ከይተሰርቐ ንዝሰመረ ጸሎት ክጽሊ ይግባእ። ከምዚ እንተኾይና ከኣ እቲ እኩይ ጸላኢ ሠናያት ክቐርበና  ኣይክእልን እዩ።”

v ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ <<ብመንፈስ ክጽሊ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ>> (1 ቆሮ 14፡15) ዝብል ቃል ከብርኅዎ ከለዉ፣ እዚ ቅዱስ ኃይለ ቃል ዝተጻሕፈልና ምኽንያት፡ ሰባት ብልሳኖም ጥራይ ከይጽልዩ እዩ። ምኽንያቱ በረኸት ጸሎት ካብ ኢድና ንኸይንምንጠል እዩ። ንኣብነት፡ ብልሳን ቓላት ከተውጽእ ኣእምሮ ድማ ነቲ ምሥጢሩ ክትምርምር፡ እታ ነፍሲ ምስ ቓላት ትዓርግ። እዚ ከኣ ብሸለልትነት ወይ ብዘይተገዳስነት  ኣብ ቅድሚ ንጉሥ  ቐሪቡ  ጸገሙ ዝገልጽ ወይ ዝነግር ሰብ ይመስል።

v ቅዱስ ኣባ ነስታርዮን፡ “ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ህልው ስለዝኾነ፡ ንኣምላኽ እናጠመትካ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብዘይሓጢኣት ክትቕውም ትጋህ።”

v ቅዱስ በርሰንዮፍዮስ፡ “ሙሉእ ጸሎት ዝበሃል ብሰቂለ ኅልና ብኣንቃዕዶ ልቦና ምስ እግዚአብሔር ክትዘራረብ ከሎኻን ንፍትወት ዓለም ከተወግድ ከሎኻን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሙሉእ ጸሎት ዝጽሊ፡ ኣብ ኩሉ ድሌታት ዓለም ምውት እዩ። ፍቓድ ነፍሲ ክህልወካ፡ ሥጋኻ ምስ ተድክም እዩ። ሥጋኻ ምድካም ድማ፡ ካብ ምጥማይ ከብድኻ እዩ። ፈተና ምስዝብርትዓካ፡ ንጥምየት ወስኸሉ። በዚ ድማ፡ ንሓንጐልካን ልብኻን ንቑሕ ትገብሮ። ብብዝሒ ሓሳባት ኣይትረበሽ። ጸላኢና ዝኾነ ድያብሎስ፡ ልቦናና ክሰርቕ ስለዝደሊ፡ በቲ ዝገብሮ ዕንቅፋት ኣይትገደስ። ምኽንያቱ ምስ እግዚአብሔር ብጸሎት ብእትገብሮ ቀጻሊ ምዝርራብ ጥቡቕ ዝኾነ ዝምድና ከቋርጾ ስለዝፍትን።”

vቅዱስ ኣውኩሪስ፡ “ንጸሎት ኢልካ ምስ ተንሣእካ፡ ድልየታት ሥጋ ረስዕ። ጽንጽያ እንተነኸሰትካ፡   ጣንጡ እንተ ኣሳቐየትካ ኣይትገደሰሎም። ምኽንያቱ ካብቲ ተዳልዩልካ ዘሎ ዓቢ ናይ ጸሎት በረኸት ከይትዕንቀፍ።”

ቅዱሳን ኣበው ከምዚ ኢሎም ይነግሩና ፡ ሓደ ሓውና፡ ንኽጽሊ ኢሉ ምስ ዝትንሥእ፡ ሰይጣን ብብርቱዕ ፈተና ይፍትኖ ነበረ። ትርኢቱ ለዊጡ ኣንበሳ ኮይኑ ይመጾ ነበረ። ኣእጋሩ ኣብ ኣእጋር እቲ ዝጽሊ ዝነበረ የንብረን። ኣጽፋር ኣእዳው ኣብ ዝባኑ ተኺሉ ክሳብ ዝርብርብ ይገብሮ። እቲ ቅዱስ በረኸት ጸሎት ከይስእን፡ ነእዳው ከይየውረደ ንጸሎቱ ከም ልማዱ ይፍጽም ነበረ።

v ቅዱስ በኻምዮስ እናሰበኸ ከሎ፡ ሓደ እዋን ክልተ ኣትማን ኣብ ኣእጋሩ ይጥምጠሙ። ብዙሕ ከይተሻቐለ ድማ እቶም ኣሕዋቱ ከይርእይዎም ብኽዳኑ ከደኖም፡ ዘረብኡ’ውን ቀጸለ። እቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ምስ ወድአ፡  ብዛዕባ እቶም ኣትማን ነገሮም።  

v ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓደ ካብ ቅዱሳን አበው ኣቦ ክጽልዩ ከለዉ ተመን ኣብ እግሮም መጺኡ ተንከፎም፡ በቲ ዘጋጠመ ከይሰንበዱ ጸሎቶም ቀጸሉ። ምስ ወድኡ ከኣ እቲ ተመን ገለ ጉድኣት ከይየውረደሎም ድማ ተሠወረ። እዚ ከኣ ካብ ፍትወት ሥጋ ንላዕሊ ንኣምላኽ ስለዘቐደሙ እዮም።

v ሓደ ባሕታዊ ኣቦ ኣብ ሳህራ ኣብ ዝነብረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ብማህረምትን መጽፋዕትን መግረፍትን ኣብ መሬት ብምንግርጋርን ምድርባርን ብጸላኢ ሠናያት ይፍተኑ ነበሩ። እዚ ኩሉ ካብ ጸሎቶም ንኸሰናኽሎም ደልዩ እዩ። ብሙሉእ ኅልናኦም ምስ እግዚአብሔር ስለዝነበሩ  ካብ ጸሎቶም ኣይተዓንቐፉን ።

v ሙሉእ ጸሎት ክትጸሊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዕውት ክትከውን፡ ኣብ ኩሉ ግዜን ሰዓትን ነፍስኻ ክሐድ።

ስለዚ ህዝበ ክርስቲያን ጸሎት ማዕጾ ረድኤትን ምስጋናን እያ። ጸሎት መጸናንዒት ኃዘንን፡ ጸሎት ቀንጣጢት ሕሰም ከፋቲት ራህዋ  እያ። እቲ እትጽልዮ ጸሎት፡ ብፈሪኃ እግዚአብሔር ብራዕድን ምንቅጥቃጥን፡ ብዘይ ቂም በቐልን ። ኅልናኻ ሙሉእ ምስ እግዚኣብሔር ምስ ዝኸወን ይሰምር።

ሓደ ቅዱስ ኣበው ከም ዝበሎ፡ “ካብ ቁጥዐ ተጠንቀቕ። ቁጥዐ ንልቢ የጸልምቶ፡ ቁጥዐ ልጓም ነፍሲ ካብ ፈሪኀ እግዚአብሔር ዝበትኽ እዩ። ቁጥዐ፡ ንጽላለ ኣቦኣ እዩ። ንቁጥዐ ዘይቆጻጸር ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሑት ኣይኮውንን።   

ስለዚ ንሕናውን ህዝበ ክርስቲያን ነዞም ቅዱሳን አበው ኣብነት ብምግባር ብሰቒለ ኅልና ብኣንቃዕዶ ልቦና ናብ ኣምላኽና ክንጽሊ ይግበኣና ። ንፍትወታት ዓለም ጸማም እዝኒ እንተሂብናዮ  በረኸት ጸሎት ክንሓፍስ ኢና።

2.     ካብ ሓሳባት ነጻ ኮንካ ምጽላይ

ይቕጽል….. ብሰላም የጽንሓና።
(For those who do not have Geez, please visit this link) TSELOT SALSAY KIFAL 
ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።

No comments:

Post a Comment