Monday, August 20, 2012

< አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ> ማቴ. 17፡4(፲፮፡፬)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!
በዓለ ደብረ ታቦር 13 ነሓሰ 2004 . (19-08-2012)


<< ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ መሊሱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ኾንካስ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፣ ሓደ ንሙሴ፣ ሓደውን ንኤልያስ፣ ገና ክዛረብ ከሎ እንሆ ብሩኅ ደበና ኣጎልበቦም። እንሆ ከኣ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስሞዕዎ፣ ዝብል ድምጺ መጸ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተድፍኡ ብዙሕ ድማ ፈርሑ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ተንሥኡ ኣይትፍርሑውን በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፣ ብዘይ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። >> ማቴ. 17፡1-8

ምሥጢረ ደብረታቦር

< አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ ንግበር ማኅደረ>
ቅዱስ ጴጥሮስ
ማቴ. 17፡1-8
<<  ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ ድማ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ንያቆብን ንዮሓንስን ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ከም ጸሓይ ኣብርኄ ክዳኑ'ውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እንዳተዛራረቡ ተራእይዎም። ጴጥሮስ  


መሊሱ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ኾንካስ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ ገና ክዛረብ ከሎ እንሆ ብሩህ ደበና ኣጎልበቦም። እንሆ ከኣ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስሞዕዎ፣ ዝብል ድምጺ መጸ። ደቂ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተድፍኡ ብዙሕ ድማ ፈርሑ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ተንሥኡ ኣይትፍርሑውን በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፣ ብዘይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ሓደ እኳኣይረኣዩን። >>
ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናብ ፊሊጶስ ምስ መጸ ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ። ኢሉ ንሓዋርያት ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ፣ ካልኦት ድማ ኤልያስ፣ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ካብ ነብያት ዚብሉ ኣለዉ፣ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ  ኣለኹም በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከኣ መሊሱ በሎ ስምዖን ወዲ ዮና እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብጹእ ኢኻ።ማቴ.16 13-18 >> ኢልዎ።

እዚ ምስ ኮነ ኣብ መበል ሻብዓይ መዓልቲ ሠለስተ ደቀ መዛሙርቱ ጴጥሮስ፣ ዮሓንስ ያዕቆብ ሒዙ ናብ ደብረ ታቦር ከደ። ኣብኡ ከኣ ከምቲ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ዝገልጾ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክብረ መንግሥቱ፣ ብርሃነ መልኰቱ ገሊጹ እዩ። ካብቶም ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ደብረ ታቦር ናይዚ ታሪኽ መዘከርታ እዩ።


ታቦር ካብ ባሕረ ገሊላ ብወገን ምዕራብ 17 ኪሎሜትር ሪሒቑ፣ ካብ ከተማ ናዝሬት ከኣ ብወገን ምብራቕ፡ ካብ ባሕረ ዮርዳኖስ ወገን ምዕራብ ልዕሊ ጽፍሕ ባሕሪ 527 ሜትሮ ዝርከብ እምባ እዩ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብረ መንግሥቱ ብርሃነ መለኰቱ ዝገለጸሉ እምባ ስለ ዝኾነ ቅዱስ ከረን ተባኂሉ።

ካብ ሰማይ ድምጺ መጸ
<<… እንሆ ከኣ ብሩኅ ደበና ኣጐልቦቦም እንሆ ከኣ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እሱ እዩ ንዖኡ ስምዕዎ ዚብል ድምጺ መጸ። ደቂ መዛሙርቱ  እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተድፍኡ ብዙሕ ድማ ፈርሑ። ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም ተንሥኡ ኣይትፍርሑውን በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፣ ብዘይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።>> ማቴ. 175

ምሥጢረ መንግሥቱ ንምንታይ ኣብ ደብረ ታቦር ተገሊጹ
መድኃኒዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኩሎም እምባ ክብሩ ንምግላጽ ንደብረ ታቦር እዩ መሪጹ። እዚ ከኣ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ።

1.    ትንቢት።
ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ ወይሰብሑ በስምከታቦርን ሄርሞንን ብስምካ እልል ይብላ።. >> መዝ.88 (89)12

2.   ምሳሌ።
ባራቅ ንሲሰራን ሠራዊቱን ሲዒርዎም። መሳ. 4-6 እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። << ደቂ እስራኤል ከኣ ኤሁድ ምስ ሞተ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክፋእ ገበሩ። እግዚአብሔር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሡ ዝነበረ ያቢን ንጉሥ ከንኣን ሸጦም። ሓለቓ ሠራዊት ሲደራ ነበረ፣ ንሱ ከኣ ኣብ ሓሮሼት ጎይም ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ ንደቂ እስራኤል ብኃይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። >> መሳ.4-1-3

ኩሉ ግዜ በደልና ርእዩ ንበይንና ዘይገድፈና ርኅሩኅ ኣምላኽና << ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ መውጽኢ ገይርልኩም ኣሎ። ……>> 1ይቆረ.10-13  ዝበለና ኣምላኽና እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ካብ ፈተና ዝወጽሉ  መገዲ ሓቢርዎም።

እስራኤል ናብ ፈጣሪኦም ምስ ተማህለሉ ንዲቦራ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፣ ንእስራኤል ብነብዪነትን ዳንነትን እተገልግል ዝነበረት ኣኣ ጌሩ ዝዕወትሉ መገዲ ሓቢርዎም። ነብዪት ዲቦራ ትንቢት ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ናይ እስራኤል ንጉሥ ባርቅ ናብ ኲናት ምሳይ ክትከዲ ኣለኪ ምስ በላ ናብቲ ኲናት ብመርኂነት ቀዲማ ከደት።

እግዚአብሔር ብነብዪት ዲቦራ ኣቢሉ ንንጉሥ እስራኤል << ከድካ ናብ ደብረ ታቦር ውጻእ >> ኢሉ ኣዚዝዎ ኔሩ።  ንጉሥ ዓሰርተ ሺሕ ሰራዊት ልብሰ ሓጺን ዘይለበሱ ሰብኣይ ሒዙ እግዚአብሔር ኣሚኑ፣ ኣብ እምባ ደብረታቦር ዓረደ። እቲ ኲናት ግና ከይተጀመረ ተወደአ። ምኽንያቱ <<እግዚአብሔር ድማ ንሲሳራን ንኹሉ ሠረገላታቱን ንኹሉ ሠራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሳራ ከኣ ካብ ሠረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ኃደመ። ….. >>  መሳ.4-15

እስራኤላውያን ብናይ እግዚአብሔር ኃይሊ ናይ ዕስራ ዓመት ናይ ባርነትን ግፍዕን ኣርዑቶም ካብ ዝባኖም ዝውረድሉ መተካእትኡ ናይ ዓወት ካባ ዝደረበሉ፣ ኣብ እምባ ደብረታቦር እዩ። << … ኣብ ውግእ ኃየሉ ንሠራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም።>> ተባኂሉ ጅግንነቶም ተጻሒፉ ተመስኪርሎም እብ.11-32-34 ደብረ ታቦር ከም ፍቓደ እግዚአብሔር ጸግዒ ኮይንዎም።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ልበ ሓዋርያት ዘሎ ሰይጣን ሲዒርዎ። እዚ ማለት እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ናይ ጥርጥርን ፍቅረ ሢመትን (ናይ ሥልጣን ፍቕሪ) ዘኅደረሎም ዲያብሎስ ተሳዒሩ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እዩ ደብረታቦር ናይ ደቂ መዛሙርትን ተመሃሮን በዓል ዝበሃል።

ንምንታይ ሰለስትቲኦም ሓዋርያት (ጴጥሮስ፡ ዮሓንስ፡ ያዕቆብ) ጥራሕ ሒዙ ናብ ደብረታቦር ደይቡ፤

1.     ኣዝዮም ንፍቅሩ ዝብኅጉ ስለዝነበሩ። እዚ ከኣ ብእብራይስጢ ኪፋ፡ ብግሪኽ ድማ ጴጥሮስ ዝተባኅለ ወዲ ዮና ስምዖን፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክመውት እየ ኢሉ ክዛረብ ከሎ ኣይከውንን ስለዝበለ፡ ካብ ባሕርይ ኣቡኡ አብ ንዕኡ ስምዖዎ ዝብል መለኮታዊ ድምጺ ሰሚዑ እዩ።

ቅዱስ ዮሓንስን ያዕቆብን ኣብ ንግሥነቱ ኣብ ምድሪ ጥራሕ ጌሮም ብምሕሳብ ሓደ ብየማንካ ሓደ ብጸጋምካ ግብረና ኢሎም ብኣዲኦም ዘቅረብዎ ዘይግባእ ልመና ዮሓንስን ያዕቆብን ኣነ ካብ ዝሰትዮ ጽዋዕ ትሰትዩ ዲኹም፤ ክብሎም ከሎ እወ ኢሎም መሊሶም ኣብዚውን ናይ ባሕርይ ኣቡኡ አብ ንዕኡ ስምዕዎ ዝብል ድምፂ ሰምዑ።

2.    ብምኽንያት ይሁዳ እዩ። ኢሳ.26-13 <<ንረሲእ እንተ ራኅራኅካሉ ጽድቂ ኣይምኃርን ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፣ ንግርማ እግዚአብሔር ድማ ኣይርእዮን።>> ከምዝብል ንዕዑ ገዲፉ ንዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ሒዙ ናብ ደብረታቦር እንተዝድይብ ካብ ምሥጢሩ ስለዝፈለየኒ እየ እኳ ዘትሓዝኩዎ ንሞት ኣሕሊፈ ዝኃብኩዎ ከይብል። እዚ ኮይኑ ንምንታይ እቶም ሸሞንተ ደኣ ተኸልኪሎም እንተ ኢልና ኣይተኸልከሎን ኣብ ርእሰ ደብር ንሰለስተ ደቒ መዛሙርት ዝተገለጸ ምሥጢር ኣብ እግረ ድብሪ ንዝንበሩ ሸሞንተ ደቂ መዛሙርት ተገሊጽሎም እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ደብረሲና ንሰብዓ ሊቃናት ዝተገልጸ ምሥጢር ኣብ ከተማ ኢልዳድን ሜዳድን ዝተገልጸ ማለት እዩ። ዘኁ.11-26

ንኤልያስን ሙሴን ንምንታይ ኣምጺእዎም፤
ሀ. ኣብ ሓደ እዋን ነብየ ሙሴ ንእግዚአብሔር << ወለእመሰ ረከብኩ ሞገስ በኀቤከ አስተርእየኒ ገሐደ ሊተ ወአእምር ወእርአይከ ከም ይኩነኒ ርኪበ ሞገሰ በቅድሜከ ዮም።>> ኣብ ቅድሜካ ጸጋ ረኺበስ …. በጃኻ ክብርኻ ኣርእየኒ በለ። ….. ዘጸ.33-13-23
ናይዚ ቃል ከኣ ፍጻሜኡ ኣብ ደብረታቦር ርእናዮ። ከምዚ ማለቱ ኣብ ድሕሪ ሓሙሽተ ሺሕን ሓሙሽተ ሚእቲ ዘመን ሰብ ኮይነ ሥጋ ለቢሰ ዳሕራይ ኣብ ደብረ ታቦር ክሳብ ዝግለጽ ንስኻ ኣብ መቓብር ተወሲንካ ክትነብር ኢኻ፣ ማለቱ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ደብረታቦር ንሙሴ ካብ ብኄረ ሙታን ኣምጺኡ ምስ ኣቆሞ ተፍጻሚተ ቃል ሪኢናዮ።

ለ. ልዑል እግዚአብሔር ንነብዩ ኤልያስ << አንተሰ ትከውነኒ ስምዓ በደኃሪ መዋዕል። ንስኻ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ምስክር ክትኮነኒ ኢኻ።>> ኢልዎ ስለ ዝነበረ እዚ ኃይለ ቃል ኤልያስ ካብ ብኄረ ኅያዋን መጺኡ << ናተይ ናይ ኤልያስ ጐይታ መን ኤልያስ ይብለካ። እግዚአ ኤልያስ፣ አምላከ ኤልያስ ይበሉኻ እምበር።>> ክብል ኣብ ደብረ ታቦር ተረኺቡ ምስክር ክህብ ንርኢ።
ክትሪኢ ኢኻ ዝተባኅለ ሙሴ ርእዩ። ክትምስክር ኢኻ ዝተባኅለ ኤልያስ መስኪሩ።

ሐ. ኣብ ፊሊጶስ ቂሳርያ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ?>> ኢሉ ምስ ሓተቶም ነቲ ሕቶ ክምልሱ ሙሴ እዩ ይብሉኻ። ከምኡ ከኣ ኃይሊ ተግባርካ ርእዮም ኤልያስ እዩ ይብሉኻ ኢሎም ኔሮም እሞ። ንሙሴ ካብ መቓብር ንኤልያስ ካብ ብኄረ ሕያዋን ዘምጽኦም እግዚአ ሙሴ፣ አምላከ ሙሴ። እግዚአ ኤልያስ፣ አምላከ ኤልያስ ምዃኑ ንኽርድኡን ክምስክሩን እዩ።

ደብረ ታቦር ናይ ወንጌል ምሳሌ

ጎቦ ክትወጾ ከለኻ የድክም እዩ፣ ድሕሪ ምውጽኦም ግና ኣብ ላዕሊ ኮንካ ንታሕቲ ክትሪኢ እፎይታ ምስ ረኸብካ ደስ እዩ ዝብለካ። ወንጌል ክትመሃራ ትኸብድ እያ፣ ድሕሪኡ ግና ጽድቅን ሓጢኣትን ፈሊያ ምስ ኣፍለጠትካ ደስ ተብል እያ።

ታቦር ናይ ቤተክርስቲያ ምሳሌ እያ

1.   ኣብ ደብረ ታቦር ካብ ብሉይ ኪዳን ነብያት ኤልያስን ሙሴን ካብ ሓድሽ ኪዳን ሠለስቱ ሓዋርያት ከምዝተረኽቡ ኣብ ቤተክርስቲያን ብሉይን ሓዲሽን ከምዝንገር ንምምልካት እዩ። ሓዋርያት ዝሰበክዎ ወንጌል ኣቀዲሞም ነብያት ብትንቢት ምሳሌ ዝተዛረብዎ ከምዝኾነ ከረድእ እዩ። ነብያት ብዘመልከትዎ ሓዋርያት ገስገስሉ ከምዝብል << ኣብ መሠረት ሓዋርያትን ነብያት ኢኹም ተኃኒጽኩም።>> ኢፌ.220

2.    ኣብ ታቦር ካብ መዓስባን (ሰብ ሓዳር) ሙሴ፣ ካብ ደናግል ድማ ኤልያስ ከምዝተራኸቡ ኣብ
ቤተክስርቲያን ከኣ ብድንግልና ዝነብሩ መናንያን መንኮሳትን፣ ብሕጊ ብሥርዓት ዝነብሩ ሰብ ሓዳር ይረከቡላ።

ደብረ ታቦር ናይ መንግሥተ ሰማያት ምሳሌ እያ።

1. ንእምባ ብብዙሕ ድኻምን ጭምቅን ከምትወጾ ንመንግሥተ ሰማያት ከኣ ብብዙሕ መከራ ኢኻ ትረኽባ። << እስመ ብብዙኅ ጻማ ወድካም ኀለወነ ንባእ ለመንግሥተ እግዚአብሔር << ናብ መንግሥቲ እግዚአብሔር ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግበኣና።>> .ሓዋ.1422

2.  ኣብ ደብረታቦር ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያት ካብ ሓዲሽ ኪዳን ሓዋርያት ከምዝተረኽቡ መንግሥተ ሰማያት ነብያትን ሓዋርያትን ሓደ ኮይኖም ከምዝወርሥዋ ንምሕባር።

3.  ኣብ ደብረታቦር ካብ መዓስባን ሙሴ ካብ ደናግል ድማ ኤልያስ ከምዝተረኽቡ፣ መንግስተ ሰማያት ደናግልም መዓስባንን ብሓደ ኮይኖም ከምዝወርሥዋ ንኸረድእ።

4.       ኣብ ደብረታቦር ሞይቶም ካብ ዝተቀብሩ ንሙሴ ኣምጺእዎ፣ ካብ ብኄረ ህያዋን ዘለዉ ድማ ንኤልያስ ኣምጺኡ፣ መንግሥተ ሰማያት ሞይቶም ካብ ዝተቀብሩን ኣብ ኣብ ብኄረ ህያዋን ካብ ዘለዉን ብሓደነት ከምዝወርስዋ ንኸረድእ።

ብሓፈሻ ደብረ ታቦር

1.     ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ባህርይ ኣምላኽነት ዝተመሥከረሉ
2.    ናይ ምሥጢረ ሥላሴ ትምህርቲ ዝተዋህኅበሉ
3.    ፈጣሪ ምስ ቅዱሳን ሰባት ዝተረኽበሉ
4.    ኣብ ልበ ሓዋርያት ዝነበረ ሰይጣን ዝተሳዕረሉ
5.    ናይ ሓዋርያት ብፍላይ ናይ ሠለስቲኦም ኣዕማደ ሓዋርያት ቅሩበ እግዚአ ምዃኖም ዝተገልጸሉ።
6.    ናይ ቅዱሳን ክብሪ ዝንዕቁ እምባ ከማን ቅዱስ ከምዝበኃል ዝተማህርሉ
7.    ኣብ ብኄረ ህያዋን ምንባር ዝተመሥከረሉ
8.    ናይ ትንሣኤ ሙታን ዋሕስ ዝተገለጸሉ ናይ ክብሪ ሰገነት፣ ናይ ምሥጢረ መቅደስ፣ ዓቢ ቤት ትምህርቲውን እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምንባር ንዓና ጽቡቅ እዩ ምባሉ

1.  ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነት ትኣምን፣ ወልድ ዋሕድ ኣብ ትብል ሃይማኖት ምንባር ንዓና ጽቡቅ እዩ ማለቱ እዩ።

2.  መድኃኒዓለም ምስ ቅዱሳን ፈተውቱ ኣብ ዘለዎ ንስኻ እንዳብላዕካና እንዳፈወስካና፣ ሙሴ ደመና እንዳኸለለ መና እንዳውረደ፣ ባሕሪ እንዳከፈለ፣ ኤልያስ ሰማይ እንዳለጎመ እሳት እንዳዝነበ ፣ዝናብ እንዳኣቆመ ኣብዚ ምንባር ንዓና ጽቡቅ እዩ። ማለቱ እዩ።

3.    ኣብ ልበ ሓዋርያት ዝሓደረ ሰይጣን ዝተሳዕረሉ።

4. ኣብ ደብረታቦር ብሕይወተ ወንጌል ኣብ ቤተክርቲያን ቅድስት ምንባር ንዓና ጽቡቕ እዩ። ንምባል እዩ።

ፈጣሪና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስጋብ እታ ናይ መጨረሻ ሕቅታ( ትንፋስ) ብደብረታቦር ኣብ ዝተመሰለት ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ብሃይማኖትና ጸኒዕና ናይ መንግሥተ ሰማያት ወረስቲ ናይ ስሙ ቐደስቲ ክንከውን ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና።
(For those who do not have Geez, please visit this link) DEBRE TABOR
ወስብሐት ለእግዚአብሔር።




2 comments:

  1. እንኳን ለደብረ ታቦር በዐዓል አደረሳችሁ! ደግሞም ለእናታችን ለእመቤታችን የትንሣኤዋ በዐዓል በሰላም የያድርሰን !

    ReplyDelete