Saturday, August 4, 2012

ቅዱስ ስምዖን ሰራሕ ሳእኒ


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!

ቅዱስ ስምዖን ሰራሕ ሳእኒ


ቅዱስ ስምዖን ሰራሕ ሳእኒ (ወይ ቆርበት ዘልፍዕ) ኣብ መወዳእታ ዓስራይ ክፍለ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ቅዱስ ኣብርሃም ሶርያዊ መበል 62 ኣብ መንበረ ማርቆስ ፓትርያርክ ዝነበረሉ፡ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ናይ ከሊፋ ፋጥሚ ኣልሙዒዝ ሊዲኒላህ ትመኃደረሉ ዝነብረት እዋን እዩ።


ካብ 934 ክሳብ 968 ዓ.ም ኣብ ግብጺ ብፍላይ ድማ አውራጃ ኣክሽዲድ ብርቱዕ ደርቂ ነበረ። ብሰንኪ ደርቂ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ዝሞቱሉ ዘመን እዩ ዝነበረ።

ሓደ እዋን ሓንቲ ምልክዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ሳእና ኣብ መንገዲ እናኸደት ኰላ ይብተኻ’ሞ፡ ናብ ቅዱስ ስምዖን ትእለ። ሳእና ክትህቦ ኢላ እግራ ምስ ቀለዐት ብፍትወት ስጋ ዝተሰልበ፡ ቃል ኣምላኽ ግና ኣብ ልቡ ዝተቀርጸ ቅዱስ ስምዖን ነዚ ቃል ዘከረ፡ <<ኣነ ግና፡ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ኹሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ጐጥጒጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዚኣትስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍኤት ይሔሽካ።>> (ማቴ 5፡28-29) ዝብል ትእዛዝ ንምፍጻም፡ በቲ ዝሰፍየሉ ዝነበረ መርፍእ ገይሩ ንዓይኑ ኣፍሰሰ። ቃል ብቃሉ ንትእዛዝ ኣምላኽ ስለዝተርጎመ ቅዱስ ስምዖን ከምዚ ገበረ።

በዚ ድማ ስዕሊ ቅዱስ ስምዖን ሰራሕ ሳእኒ ሓንቲ ዝዓይኑ ንዕዘብ።

ንግብጺ ዝመሓድር ዝነበረ ፋጥሚ ከሊፋ ኣልሙዒዝ ሊዲኒላህ፡ ክትዕ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ክሰምዕ ደስ ይብሎ ስለዝነበረ፡ ሓደ እዋን፡ ቅዱስ ኣብርሃምን ኣይሁዳዊ ያዕቆብ ወዲ ዩሱፍ ምስ ተኻተዑ ቅዱስ ኣብርሃም ስለዝተዓወተ፡ ሕነ ንኽፈዲ እቲ ኣይሁዳዊ ጸላኢ ሰናያት ኣለዓዓሎ። እቲ ኣይሁዳዊ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ጥቕሲ ኣውጺኡ ድማ ንከሊፋ ነገሮ። እቲ ቃል፡ <<ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ>> (ማቴ 17፡20) ዝብል ነበረ። “እዚ እምነት’ዚ ሓቅነት ኣለዎ’ዶ ትብል፤” ኢሉ ነቲ ከሊፋ ናይ ምጥርጣር ሓሳብ ደርበየሉ። ከሊፋ ድማ ንፓትርያርክ ጸዊዑ፡ “ከምዚ ዝብል ቃል ኣብ መጽሓፍኩም ኣሎ’ዶ፤” ብምባል ሓተቶ። ሃንደበታዊ ሕቶ ስለዝነበረ ቅዱስ ኣብርሃም ሶርያዊ ሰንበደ፡ እቲ ሓቂ ግና ነገሮ። ከሊፋ ግና በዚ ኣይዓገበን፡ ሓቅነቱ ብተግባር ንኸረጋግጸሉ ነገሮም። እንተዘይኮይነ ድማ ክርስቲያን ዘበለ ብስኅለት ሰይፍ ክቖርጾ እየ፡ በለ። ነዚ ዝሰመዐ ቅዱስ ኣብርሃም ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክወሃቦ ሓተተ። ከይዱ ድማ ንኹሎም ቤተ ክህነትን ህዝብን ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣኪቡ ነቲ ጉዳይ እናጐሃየ ነገሮም። ኩሉ ንኽጸውም፡ ባሕታውያን ንእሽቶ ቁራስ ባንን ጨውን ንምሉእ መዓልቲ፡ ህዝቢ ድማ ኣብ መላእ ግብጺ፡ ዘለዎ ገዲፉ ክምህለልን ክሰግድን ኣዘዘ። ፓትርያርክ ቅዱስ ኣብርሃም ሶርያዊ ግና ካብ ሓዘን ዝኣክል ሰለስተ መዓልቲ ብዘይመግቢ ጸንሐ። ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ብርሃን ተኾሊዓ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ “እንታይ ኰንካ፤” በለቶ። እቲ ዘጋጠሞ ኩሉ ዘርዚሩ ነገራ። ቅድስተ ቅዱሳን ድማ፡ “ኣይትፍራሕ፡ ኣብ ቤተይ ዘነባዕካዮ ንብዓት ኣይክርስዖን እየ”። ከምዚ ኢላ ድማ ኣዘዘቶ፡ ካብ ዘሎኻዮ ተንስእ እሞ ናብ ዕዳጋ ዝወስድ መንገዲ ኪድ፡ በለቶ። ኣብኡ ስምዖን ዝብሃል ሓንቲ ዝዓይኑ ጻድቕ ሰብኣይ ክትረክብ ኢኻ። ንሱ ድማ ነቲ ተኣምር ክገብሮ እዩ፡ ኢላ ብፍስሃ ኃበረቶ።

ፓትርያርክ ከምቲ ዝተባህሎ ናብ ዕዳጋ ዝወስድ መንገዲ ምስ ከደ፡ ንስምዖን ረኸቦ። ንስምዖን ድማ፡ “ብስም ኣምላኽ ነዚ ህዝቢ’ዚ ርድኣዮ” ኢሉ ተዛረቦ። ነቲ ናብ ስምዖን ዘምጻሉ ጉዳይ ድማ ነገሮ። ስምዖን ግና፡ “ኣቦና! ኣነስ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ፡ ጸልየለይ ደኣ እምበር ነዚ ትብሎ ዘሎኻ ኣይክእሎን እየ” ። ቅዱስ ኣብርሃም ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ነቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ዝተዛረበቶ ቃል ንስምዖን ነገሮ። ቀጺሉ ድማ እንታይ ስርኁ፤ ህይወቱ ከመይ ከም ዝመርኅ ኃተቶ። ናይ ቅዱሳን ባህሪ ትሕትና ስለዝኾነ ክሓብኣሉ ደለየ ግና ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ ልዕሊኡ መስቀል ብምንባር ንከይሓብኣሉ ተማሕጸኖ።

ቅዱስ ስምዖን፡ “ኩሉ ዝገብሮ ክነግረካ እየ፡ ኣብ መንጐ ክልተና ጥራይ ክተርፍ ኣለዎ። “ስርኀይ ቆርቦት ምልፋዕ እዩ። እዛ ዕውርቲ ዓይነይ ድማ ክርእዮ ዘይግበኣኒ ብፍትወት ስጋ ዝተላዕለ ምስ ራእኹ ካብ ኩሉ ኣካለይ ናብ ገሃነም ዝኣቱ ብዕውረይ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸኒ ኢለ ዘፍሰስኩዋ እየ።”

“ኣብ ትሕቲ ሰብ ተቖጺረ ሳእኒ እየ ዝሰፊ። መዓልታዊ እቶተይ ድማ ንሓንቲ መኣዲ ዝኣክል ንዓይ ኣትሪፈ እቲ ካልእ ንዝሰኣኑን ዝዓረቑን ይዕድሎ። እዚ ሒዘዮ ዘለኹ ቆርበት ማይ ድማ፡ ዝሓመሙ ኣላዪ ዘይብሎም ካብ ዕዳጋ ማይ ክገዝኡ ዘይክእሉ፡ ንግሆ ቅድሚ ስራሕ ምውፋረይ ማይ የብጽሓሎም። ብድሕሪኡ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስርሐይ ይውዕል። ምሸት ድማ ኣብ ጸሎት የሕልፎ። ብምባል ንቅዱስ ኣብርሃም መዓልታዊ ስሩዕ ስርኁ ይነግሮ። ካልእ ሰብ ብዛዕብኡ ክፈልጥ የብሉን ብምባል ድማ ብዙኅ ተላበዎ። ምኽንያቱ ውዳሴ ሰባት ክጻወር ስለዘይክእል።”

ናይ ህያዋን ኣደ ዝኾነ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ዝኣዘዘቶ ክገብር ኩሉ ግዜ ድልው ስለዝነበረ ቅዱስ ስምዖን፡ ንፓትርያርክ ዝብለካ ስምዓኒ ይብሎ፡ “ንስኻን ካህናትን ህዝብን ናብቲ ከሊፋ ዝሓበረካ ጎቦ ኪድ። መስቀልኩም ተሰኪምኩም ጥዋፋትኩም ኣብሪህኩም ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናንበብኩም ተማህለሉ። ከሊፋን ዓሳኽሩን ብሓደ ወገን ንስኻን ህዝብኻን በቲ ካልእ ወገን ድማ ቁሙ። ሰብ ምእንቲ ከይፈልጠኒ ምስቲ ህዝቢ ብድሕሬኻ ክኸውን እየ። ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን ኪርያላይሶን እናበልካ ድማ ምስ ካህናት ተማህለል። ብድሕሪኡ ንህዝቢ ሱቕ ኣብሎ። ሰለስተ ግዜ ስገድ ብድሕሬኻ ድማ እቲ ህዝቢ ይስገድ ኣነ’ውን ምሳኹም ክሰግድ እየ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ካብ ስግዳንካ ምስ እትትንስእ ነቲ ጎቦ ብትእምርተ መስቀል ባርኮ። ዓወት ኣምላኽ ድማ ግድን ክትርኢ ኢኻ።


ነዚ ቃል ምስ ሰምዐ ቅዱስ ኣብርሃም ልቡ ረገአ። ንከሊፋ ከይዱ፡ ናብ ጎቦ ንምኻድ ተዳሊና ኣሎና ብምባል ናብቲ ተኣምር እግዚኣብሔር ብኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝረኣየሉ ጎቦ፡ ጎቦ ሞካታም ኣምረሑ።
ከምቲ ቅዱስ ስምዖን ዝበሎ ድማ ገበረ። ኩሉ ኣብ ዝርከበሉ ዓው ኢሎም፡ ኪርያላይሶን (ኣምላኽ ምሓረና) እናበሉ ተማህለሉ። ብድሕሪኡ ስቕ ንኽብሉ ኣዚዙ፡ ሰለስተ ግዜ ሰገደ ህዝቢ’ውን ብድሕሪኡ ምስኡ ይሰግድ ነበረ። ኣብተን ሰለስተ ግዜ ቅንዕ ኣብ ዝብለሉ ብመስቀል ገይሩ ከመልክት ከሎ እቲ ጎቦ ካብ ምድሪ ይለዓል ነበረ። እንክሰግዱ ድማ እቲ ጎቦ ይምለስ ነበረ። በዚ ዝረዓደ ከሊፋን ሰዓብቱን “ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” ብምባል ኣመስገኑ። ድሕሪ ሰለስተ ግዜ ጎቦ ሞካታም ምልዓሉ፡ ከሊፋ ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣብርሃም ሶርያዊ፡ “ይኣክል፡ ይኣክል፡ ሓቀኛ ሃይማኖት ከም ዘለኩም ሕጂ ኣጸቢቐ ፈለጥኩ” ኢሉ መስከረ። ቅዱስ ኣብርሃም ንስምዖን ክደሊ ቁሊሕ እንተበለ ክረኽቦ ኣይከኣለን። እዚ ከኣ ምልክት ትሕትንኡ እዩ።

ድሕሪ ተኣምር፡ ከሊፋ ንቅዱስ ኣብርሃም እናንቀጥቐጠ ብምውቕ ናይ ሓጐስ ሰላምታ ሓቖፎ። እዚ ከኣ መሰረት ናይ ብዙሕ ዘመናት ዝቐጸለ ዕርክነቶም እዩ ዝነበረ። በዚ ከኣ ከሊፋ ንፓትርያርክ ድላይካ ኣዝዘኒ ክገብረልካ ምስ በሎ፡ ናይ ቅዱስ መቓርዮስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፍርቃ ዑና ኮይና ስለዝነበረት ከጽግናን ንኻልኦት ኣብያተ ክርስቲያናትን ክሃንጽን ፍቓድ ንኽወሃቦ ሓተተ። ከሊፋ ካብ ናይ መንግስቱ ገንዘብ ንኽህቦ ዋላ’ኳ እንተፈተነ ቅዱስ ኣብርሃም ግና ናይ ዓለም ገንዘብ ኣብያተ ክርስቲያናት ክንሰርሓሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ ኣማልኽቲ ንጉስ ነገስታት ግና ክሳብ መወዳእታ ክሕግዘና ስለዝኾነ ኣይትሸገር ይብሎ ነበረ።

ብፍቓድ ናይ ከሊፋ ቅዱስ ኣብርሃም ሰለስተ መዓልቲ ጾም ክጽወም ኣወጀ። በዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጾም ነብያት ካብ ዝጽወሙ ኣርብዓን ሰለስተን መዓልታት እተን ሰለስተ ጾም ኣብርሃን ተባሂለን ይፍለጣ።

ድሕሪ እቲ ተኣምር፡ ከሊፋ ኣለሙዒዝ ብክርስትና ኣመነ። ንጥምቐቱ ዝኸውን ዓቢ ጋብላ ኣብ ቅዱስ መቓርዮስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተሰርሓሉ። ክሳብ ሕጂ ድማ “ብመዕሙዲያት ኣልሱልጣን” (ናይ ንጉስ መጥመቒ) እናተባህለ ይፍለጥ። ናይ ቅዱስ ስምዖን ሰራሕ ሳእኒ በረከት ይኽፈለና።

ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ጸሎቶም፡ ንጽህቲ ቅድስቲ ዝኾነት ተዋህዶ እምንቶም ክሳዕ መወዳእታ ኣባና ጸኒዓ ትንበር።

ምንጪ፡ st.takla.org, Orthodoxwiki, ስንክሳር ታሕሳስ 6
(For those who do not have Geez, please visit this link) SIMON THE SHOE MAKER
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!  



No comments:

Post a Comment