Friday, August 17, 2012

ማርያም ግብጻዊት


በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!
ማርያም ግብጻዊት


ርያም ግብጻዊት ስድራኣ ኣብ ሃገረ እስክንድርያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ክርስቲያናት እዮም። ነዴና ሔዋን ወዲሱ ዘስሓታ ዲያብሎስ ንማርያም ግብጻዊት’ውን ዕድሜኣ ገና 12 ዓመት ከላ፡ ጸላኤ ሠናይን ጸላኤ ሰብን ዝኾነ ሰይጣን’ዩ እምበኣር ናብ እከይ ግብሪ ዘዋፈራ። ብኸምዚ ድማ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብግብረ ሥጋ ዘጻመዳ። ከምዚ ኢላ ከላ መፍቀሬ ሰብእ (ፈታዊ ሰብ) ዝኾነ ለዋህ ኣምላኽ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ መቓብሩ ክሳለሙን ክባረኹን ዝኸዱ ሰባት ከም ትርእይ ገበራ። ምስኣቶም ክትከይድ ድማ ልባ ደፋፍኣ። ድሕሪ’ዚ ምስ ብዙሓት ሰባት መርከብ ተሰቒላ ተበገሰት።


እቶም ሰብ መርከብ ዋጋ ናይ መጓዓዓዚ ክትከፍል ምስ ሓተትዋ፡ ምስኣ ንኽምንዝሩ ዓደመቶም፡ ናብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ዝበጽሑ ድማ ነዚ ክፉእ ስራሕ ኣይቋረጸቶን።

ናብ መቓብር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ በጽሐት ክትኣቱ እንተደለየት ሓይሊ እግዚኣብሔር ከልከላ። መላሊሳ ንምእታው ብዙሕ ፈተነት፡ እንተኾነ ግና ፈጺማ ክትኣቱ ኣይከኣለትን። እዚ ነገር ምስ ገጠማ ከተስተንትንን ስለ ሓጢኣታ ክትሓስብን ጀመረት። ብልባ እናሓዘነት ናብ ሰማይ ኣንቓዕሪራ እናነብዐት ከላ ስእሊ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ረኣየት። ኣብቲ ቅድሚ ስእሊ ኣዴና ማርያም ደው ኢላ እናበኸየት “ንፍጥረታቱ ዝረድእ ኣምላኽ ዝወለድኪ ድንግል ዋሕስ ኩንኒ፡ ምስ ሰበይ ናብ ውሽጢ ክኣቱ መምጽእየይ ክገብር ኣፍቅድለይ። ብድሕሪኡ ዝኣዘዝክኒ ክገብር እየ” ኢላ ብእምነት ተማሕጸነት። ድሕሪኡ ክትኣቱ ከደት፡ ድንግል ማርያም’ውን ጸሎታ ሰሚዓ ናይ ልባ ኩሉ ፈጸመትላ እሞ ኣተወት። ነቲ በዓል’ውን ምስ ኩሉ ህዝቢ ኣብዓለቶ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ስእሊ ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ድንግል ማርያም ተመሊሳ ብመሪር ብኽያት እናነብዐት ንነፍሳ ዝኸውን ነገር ክትነግራን ክትመርሓን ለመነት። ካብቲ ስእሊ ቅድስተ ድንግል ማርያም ድምጺ ወጸ፡ “ኣብ በረኻ ዮርዳኖስ እተዊ’ሞ ንነፍስኺ ሰላምን ድሕነትን ክትረኽቢ ኢኺ” ። ነዚ ምስ ሰምዐት ከይደንጐየት ወጸት። ኣብኡ ድማ ሓደ ሰብ ገንዘብ ሃባ እሞ፡ በቲ ገንዘብ ተበገሰት፡ ብድሕሪኡ ንባሕሪ ዮርዳኖስ ተሳጊራ ጽኑዕ ተጋድሎ እናተጋደለት ኣብ በረኻ ዮርዳኖስ 47 ዓመታት ነበረት። ሰይጣን’ውን ኣቐዲማ ብዝነበረቶ ናይ ዝሙት ህይወት እናፈተነ ብብርቱዕ ጾር ይዋግኣ ነበረ። ንሳ ግና ኣብ ተጋድሎኣ ጸንዐት። ካብ ዝገዝኣቶ ሕንባሻ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ እናጾመት ንእሽቶ እናጠዓመት ንብዙሕ ጊዜ ተመገበት። ንሱ ምስ ተወድኣ ድማ ሳዕሪ ትምገብ ነበረት።

ኣብ በረኻ ዮርዳኖስ እናተዘዋወረት 47 ዓመት ምስ ገበረት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገዳም ቆሮንቶስ 40 መዓልትን ለይትን ንዝጾሞ ጾም ንኽፍጽም ቅዱስ ዘሲማስ ናብቲ በረኻ መጸ። ልማድ እቲ ገዳም በብዓመቱ ናብ በረኻ ወጺኦም ዝኸበረት “ጾም 40” (ዓቢ ጾም) ክሳብ እትውዳእ ብጾም ብጸሎት ተጸሚዶም ይቕንዩ ነበሩ። ቅዱስ ዘሲማስ ናብ በረኻ ዮርዳኖስ ኣብ ዝወጹሉ እዋን ዝጸናንዓሉ ንኽርእዮ ንእግዚኣብሔር ለመነ። በቲ በረኻ ክዛወር ከሎ፡ ነዛ ሰበይቲ (ማርያም ግብጻዊት) ብርሑቕ ረኣያ። እሞ መጀመርያ መስሓቲ ሰይጣን ንኽስሕቶ ዝተራእዮ (ምትሓት) መሰሎ። ጸሎት ምስ ገበረ ግን ሰብ ምዃና ፈለጠ። ናብኣ’ውን ቀረበ፡ ንሳ ግና ካብኡ ሃደመት። ንሱ ድማ ንከርክባ ጐየየ፡ ነዚ ምስ ረኣየት ከምዚ በለቶ፡ “ኦ ዘሲማስ ምሳይ ክትዘራረብ እንተደኣ ኴንካ መታን ክኽወለሉ ጨርቅኻ ደርብየለይ” ኢላ ብስሙ ምስ ጸውዓቶ እናተገረመ ነቲ ነጸልኡ (ጨርቁ) ደርበየላ። ንሳ ድማ ነቲ ዝደርበየላ ተኸዲና ሰገደትሉ፡ ንሱ’ውን ሰገደላ’ሞ ንሓድሕዶም ሰላም ተበሃሃሉ። ቀጺላ ካህን ስለዝኾነ ክጽልየላ ለመነቶ።


ብድሕሪ’ዚ ቅዱስ ዘሲማስ ገድላ (ታሪኻ) ንክትነግሮ ምስ ለመና ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ነገረቶ። ቀጺላ’ውን ንዓመታ ናይ ጐይታና ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን  ከምጽኣላ ለመነቶ፡ ንሱ ‘ውን ከምቲ ዝበለቶ ድሕሪ ዓመት ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደሙን ናይ ክርስቶስ ምስኡ ድማ በለስ፡ ተምሪ፡ ብማይ ዝተርከሰ ዓደስ ሒዙላ ናብ በረኻ ዮርዳኖስ መጸ። 

ማርያም ግብጻዊት ብገምገም ሩባ ክትከይድ ረኣያ’ሞ ናብኣ ብምቕራብ ሰላምታ ተለዋወጡ፡ ብሓባር’ውን ጸለዩ። ብድሕሪ’ዚ ነቲ ሥጋን ደምን (ቅዱስ ቁርባን) ኣቐበላ። እቲ በለስን ተምርን ክትምገብ ድማ ለመና። ንበረኸት ኢላ ካብቲ ዓደስ ቅሩብ ወሲዳ በልዐት። ንካልኣይ ዓመት ንኽመጻ ‘ውን ለመነቶ። ንሱ’ውን ከምቲ ዝበለቶ ንካልኣይ ዓመት ከምኡ ገይሩ መጸ። እንተኾነ ግን እታ ቅድስቲ ሰበይቲ ሞይታ ረኸባ። ኣብ ልዕሊ ርእሳ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ኣብ ዝተፈጥረቶ ሓመድ ቅበራ” ዝብል ጽሑፍ ተጻሒፉ ረኸበ። በቲ ጽሑፍ ድማ ተደነቐ፡ ኣንበሳ’ውን ክሕልዋ ረኣየ። በዚ እናተገረመ ብምንታይ ኲዒተ ክቐብራ እየ ኢሉ ክሓሰብ ከሎ፡ እቲ ኣንበሳ ብኣጽፋሩ ኰዓተሉ። ቅዱስ ዘሲማስ’ውን ጸሎት ገይሩ ቀበራ። ናብ ገዳሙ ተመሊሱ ድማ ነቶም መነኮሳት ገድሊ ማርያም ግብጻዊት ዘርዚሩ ነገሮም። ንሳቶም’ውን እናተደነቑ ንእግዚኣብሔር ብግብሩ ኣመስገንዎ።


ግብጻዊት ቅድስት ማርያም ኣብ መበል 85 ዕድሚኣ ብ 6 ሚያዝያ ብኽብሪ ዓረፈት። ጸሎታን በረኸታን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይንበር። ኣሜን!

ምንጪ፡ ስንክሳር ዘወርኀ ሚያዝያ (መጽሔት ልሳነ ተዋህዶ፡ ብቤት/ሰ/ደ/ሰ/መድኃኔዓለም ደቀምሓረ 3ይ ዓመት 1ይ ሕታም)


ወስብሐት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን!!!  

No comments:

Post a Comment