Sunday, September 1, 2013

ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ:: ኢሳ 40፡26



 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን!!!
<<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>> ኢሳ 40፡26

(Click Here to Read PDF)ነዚ ብክልተ ዝኣፉ በሊሕ ዝኾነ ቃል እግዚኣብሔር ንምዝራብ፡ ዓቕሚ ሃሊዩኒ ዘይኮነስ ገላጽነት መንፈስ ቅዱስ ብምእማን፡ ክእለት ዘረባ ሃልዩኒ ዘይኮነስ ምሕረቱ ብምእማንን፡ መራሒ ሓጢኣተኛታትን ምዃነይ ፈሊጠ፡ ነገር ግን ነእማን ቢታንያ ከምኡ’ውን ንኣድጊ በልዓም ዘዛረበ፡ ናይ ሰማይን ምድርን ንጉስ ኤልሻዳይ ምዃኑ ኣሚነ፡ ብሃበተ ምሕረቱ ክቕበሊ ተዛራቢ ጥራይ ዘይኮነ ንትእዛዛቱ ተግባሪ ንምዃን ከብቅዐኒ ንቅዱስ ኣምላኸይ ይምሕጸኖ።
ንሎሚ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር እንዘራረበሉ ካብ ኣበይት ነብያት ነቢይ ኢሳይያስ ዝተዛረቦ ቅዱስ ቃል መሰረት ብምግባር ክንዘራረብ እና። እቲ ቅዱስ ቃል ከምዚ ይብል፡ <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>> ።
ነቢይ ኢሳይያስ ካብ ኣበይቲ ነብያት ዝተባህለሉ ምኽንያት። ነብያት ናይ ቃልን ናይ ጽሑፍን ተባሂሎም ይኽፈሉ።
ናይ ቃል፡ ነቲ ዝተዛረብዎ ትንቢት እንተዘይጽሒፎሞን ኣብ ትንቢት መጻሕፍቲ እንተዘየሎን፡ ነዚኣቶም ናይ ቃል ነቢያት ንብሎም። ንኣብነት ኤልያስን ኤልሳእን።
ናይ ጽሑፍ፡ ነቲ ዝተዛረብዎ ትንቢት ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሩ እንተዀይኖም ነዚኣቶም ግና ናይ ጽሑፍ ነብያት ንብሎም። ናይ ጽሑፍ ነብያት፡ ኣበይት ነብያትን ደቂቀ (ነኣሽቱ) ነብያት እናተባህሉ ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። እዚ ድማ በቲ ብዝሒ ምዕራፋት ዝጸሓፉዎ እዩ።
ስለዚ ነቢይ ኢሳይያስ 66 ምዕራፋት ስለዝጸሓፈ ካብ ኣበይቲ ነብያት ይምደብ። ካብ’ቲ ብዙሕ ውሑድ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተዛረቦ፡ ህዝብን ኣህዛብ ትእዛዛት እግዚኣብሔር እንተሰሚዖምን ኣተግቢሮምን፡ <<ማይ ኣብቲ ጽሙእ ወሓይዝ ድማ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ>> (ኢሳ 44፡3) ፡ ንዘይንሰምዕ ክሳድና ነትርር ድማ፡ ጥፍኣት ይጽበየና ከም ዘሎ፡ <<ኣብቲ ህዝቢ መርገመይ ንፍርዲ ኺወርድ እዩ>> (ኢሳ 34፡5) ቀጺሉ’ውን <<ኣብታ ከተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ>> (ኢሳ 24፡6) ይብል። ብዛዕባ ምምጻእ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ኮይኑ መከራ ከም ዝቕበል’ውን ኣስፊሑ ገሊጹ እዩ።  
<<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>> ዓይኒ ክልተ ምርጫ ኣለዋ። ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ምጥማት። ንላዕሊ ምጥማት ገዲፍና ንታሕቲ ምስ እንጥምት እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎ፤ ንታሕቲ ምጥማት ከ እንታይ ጉድኣት ኣለዎ፤ ዝብላ ሕቶታት ብሓባር ኮይና ክንምልሰን ኢና።
ንታሕቲ ክንርኢ ኢና፡
1.     <<ንሰነፍ ቅንኣት የጥፍኦ>> (ኢዮ 5፡2) ከም ዝተባህለ ቅንኢ /ሕስድና
ንኣብነት ሓደ ሰብ መኪና ክዝውር ክትርእዮ ከሎኻ፡ 10 ዓመት ጌርና ጫማ ዘይቀየርናስ፡ እዚ ሕጂ መጺኡ መኪና ጌሩ ክትብል ከሎኻ።
ብጸጋታት እግዚኣብሔር ተኸቢብናን ኣዕለቕሊቕናን ከለና፡ ነቲ ምሳና ዘሎ ከየስተማቐርና፡ ንእግዚኣብሔር ተመስገን ከይበልና፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎ ንብረት ወይ ገንዘብ ንርኢ እሞ ኣብ፡ ቅንኢ ዝበሃል ብርቱዕ ዝረስኑ ሕማቕ ሕማም ንወድቕ።
እዚ ናይ ቅንኢ ሕማም ኣብ ንጉስ ኣከኣብ (1 ነገ 21) ንረኽቦ።
ንጉስ ኣከኣብ፡ ንጉስ እዩ። ዝደለዮ ክረክብ ዝኽእል ንጉስ እዩ። ኣዒንቱ ድማ ንታሕቲ ይርእያ ስለዝነበራ፡ ክዛወር ኢሉ ምስ ወጸ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ፡ ገዛ ንጉስ እዩ ነስተውዕል! ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ ናቦት ዝበሃል ሰብኣይ ይርኢ።
ንታሕቲ ዝጥምታ ኣዒንቲ ስለዝነበርኦ ንጉስ ኣከኣብ፡ <<እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓይ ስለዝኾነ፡ ኣታኽልቲ ሐምሊ ክኾነንስ ሀበኒ፡ ኣብ ክንድኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ኽህበካ>> ይብሎ ንናቦት። ናቦት ጎረቤቱ ከኣ፡ <<እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሔር ካባይ የርሕቆ>> ኢሉ መለሰ። ንዓና ንደቂ እዛ ቅድስት ተዋህዶ እምነት፡ ኣብ ሰማይ ነቢራትልና ዘላ ቅድስት ኢዮሩሳሌም ምእንቲ ከይንወርስ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ድያብሎስ፡ ብቅንኢ ተላዒሉ ኣሎ። ንሕና ግና፡ ያእ ኣይፋል፡ እቲ ርስቲ እቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ዝኾነ ቅድስት ሃገርና ኣይንህበካን፡ እግዚኣብሔር ካባና የርሕቆ እናበልና ምስ እግዚኣብሔር ንዘሎና ዝምድና ብጾም ጸሎት ነትርሮ።
ንጉስ ኣከኣብ ብክቱር ጓሂ ናብ ቤቱ ተመሊሰ። እንጄራ’ውን ተሓረመ። ኤዛቤል ርእሲ ተመን ዝኾነ ሰበይቱ፡ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐት “ኣይ ደሓን ኣነ ነታ ኣታኽልቲ ወይኒ ክህበካ እየ ኢላ፡ ብማሕተም ንጉስ ሓቲማ፡ ነቶም ዓበይቲ ደብዳቤ ጽሒፋ፡ <<ጾም ኣውጁ፡ ናቦት ንኣምላኽን ንጉሰን ረጊሙ>> ኢልኩም ብክልተ መሰኻኽር ኣመሳኺርኩም ብዳርባ እምኒ ከም ዝቕተል ግበሩ ዝብል መልእኽቲ ሰዲዳ ኣቕተለቶ። ስለዚ ንናቦት ምስ ቀተለት፡ ንሰብኣያ፡ ናቦት ብሂወት የለን እሞ ኪድ ውረሶ ኢላ ንሰብኣያ ነገረቶ። እታ ብቅንኢ ዝተበገሰት ሓጢኣት ናብ ነፍሲ ሰባት ምሕላፍ ከም ትበጽሕ ከነስተውዕል ይግባእ። እቲ ቅዱስ ቃል እምበኣር፡  <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>
2.   ትምኒት
በዚ ናይ ትምኒት ፈተና ዝወደቁ ኣብነት ዝኾኑና ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሄዋንን እዮም። መጀመርያ ኣዒንቶም ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዝነበራሉ ጊዜ፡ ብብርሃን ኢዮም ዘንጸባርቑ ዝነበሩ። ድያብሎስ ብትምኒት ክፍትኖም ከሎ፡ ኣዒንቶም ካብ እግዚኣብሔር ከግልሱ እዩ መጀመርያ ዝሓተቶም። እዚ ኸኣ ናብ’ታ ኦም ኣትሕት ኣቢሎም ንኽርእዩ። ብትምኒት ክትፍተን ከሎ ኣዴና ሄዋን፡ <<እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ>> (ዘፍ 3፡6) ። ሄዋን ኮ፡ ነታ ፍረ ኣይበለዓታን ብኣፋ ኮ ኣይጠዓመታን፡ እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ ክትብል ከሎ ግና ሰሚዕና፡ እዚ ከኣ ደቂ ሰባት ቅድሚ ብኣፍና ብዓይንና ኢና ንበልዕ። ካብ’ዚ ዝገደደ ግን ኣሎ፡
ክልተ ጊዜ ምስ ኣምላኽ ዝተዛረበ፡ ንጉስ ሰሎሞን እዩ።
1      ንግስነት ክቕበል ከሎ፡ ጥበብ ሃበኒ ክብል ከሎ፡ 2 ቤተ መቕደስ ሰሪሑ እግዚኣብሔር ኣብዛ ቤተ መቕደስ ዝተጸለየ ጸሎት ከም ዝሰምዕ፡ ካብ’ዚ ዝዓቢ ክብሪ የለን።
ንጉስ ሰሎሞን ግን ኣዒንቱ ካብ ላዕሊ ኣውሪዱ፡ ክንመሃረሉ ዓቢ ኣገዳስን ቃል ጽሒፉልና ኣሎ፡ <<ኣዒንተይ ዝደለያኦ ዅሉ ኣይከልከልክወንን>> (መክ 2፡10) ይብለና። ኣዒንቱ ዝጠመትኦ ኩሉ ይምጻእ ስለዝብል ዝነበረ 1000 ዝኾና ኣንስቲ ኣእተወ። መወዳእትኡ ኸ፤ ኣዒንቱ ካብ ላዕሊ ከነውርድ ከሎ፡
ንኣምላኹ ሓዲጉ ንጣዖታት ዓጠነ። እዝስ ማዕረ ክንደይ ኣጸያፊ ነገር ከም ምዃኑ ይርደኣና ይኸውን። ስለዚ ዓይኒ ካብ ተኸፍተት ክትርኢ፡ ክትጥምት ኢያ። ካባና ዝድለ ዘሎ ግና ከም ድላያ ክትርኢ ዘይኮነስ፡ ክንቆጻጸራ የድሊ። ንዓይኑ ዘይቆጻጸር ሰብ እሱር ስጋዊ ድልየታት እዩ ዝኸውን። ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝኾኖ ድማ ንኸውን። <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>>  
3.   ብትሕዝቶና ንጀሃር
ንኣብነት ሞባይል ተሌፎን፡ ሎሚ ንሕዘን ቴሌፎናት፤ ካብ መጠን ንላዕሊ፡ ዋግአን ሰማይ ዓሪጉ። እርግ ዝበለት ሞባይል ሒዝካ እንተ ተረኺብካ፡ “ናይ ነዳቖ ሞባል ሒዝኩም እስከ ኣይትረብሹና” ይብለካ። ብዓይኒ ሓቂ እንተ መጺና፡ ኣገልግሎተን ሓደ እዩ። ሃለው እንተ ኢልካያ ሃለው እያ ትብለካ። ደሓር ከኣ እቲ ተዋሂቡና ዘሎ ጸጋ ናይ እግዚኣብሔር ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ጽባሕ ንግሆ መኽሊትኩም ኣበይ ገይርኩሞ ዝብል ሕቶ ምስ መጻና መልስና እንታይ ከም ዝኸውን ካብ ሎሚ ክንሓሰበሉ ይግባእ። <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>>።
ንኽደኖ ክዳን፡ ንነብሮ ናብራ ካብ ልክዑ ሓሊፉ ዶ ኣይሓለፈን፤ <<ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፎም ድማ ዚጋደሙ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዚበልዑ፡ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ . . . ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፡ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልከዩ>> (አሞጽ 6፡4-5) ። ኣብየት ካብ ስኒ ሓርማዝ ዝተሰርሐ ዓራት ዝድቅስ ጽቡቕ ድቃስ’ዶ ይድቅስ ይኾውን፤ ምሉእ ለይቲ ‘ባ ክጐይ እዩ ዝሓድር ተባሂሉ እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>> ተባሂሎም ግና ኣይገበሩን።
4.  ፍርሒ
ኣብዚ ዘለናዮ፡ ስራሕ ዝሒሉ፡ እንታይ ደኣ ክንገብር ኢና፤ ወይለይ፡ እዘን ሒዝናየን ዘለና ቁንጣሮ ገንዘብ ብዶላር ክንልውጠን’ዶ ብወርቂ፤ ዓለም ተናዊጻ፡ ናበይ ኢና ንኸዶ፤ ጽባሕ ንግሆ እንታይ ክንበልዕ ኢና፤ ኣብ ማዕበል ሓሳባት ንጥሕል፡ መፈጸምትኡ ድማ፡ ራዕዲ ይኸውን፤
ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ከንኣን ክኣትው ከለው፡ እግዚኣብሔር ንሙሴ ናብ ምድሪ ከንኣን፡ 12 ሰለይቲ ስደድ ተባሂሉ። እቶም ዓሰርተ፡ ሕማቕ ወሬ ሐዞም መጹ፡ ንሱ ድማ፡ ልክዕ እታ ምድሪ ጸባን መዓርን እተፈልፍል እያ። ግን፡ ህዝባ ሓያል እዩ፡ ጽኑዕ ዕርድታት ኣለዎም። ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርኤና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና፡ ኣብ ዓንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና። እዚ ፍርሒ’ዚ ካብ እግዚኣብሔር ኣዒንቶም ስለዘልገሱ ጥራይ እዩ። እምበር እቶም ክልተ፡ ኢያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፉነ፡ ኣንጻር እቶም 10 ብጾቶም ተዛረቡ። እግዚኣብሔር ካብ ምድሪ ግብጺ ብሓያል ቅልጽም ኣውጺኡና እዩ፡ ኣብ ሳህራ ድማ 40 ዓመት ናቢዮና እዩ። ካብ ከውሒ ማይ ኣፈልፊሉ ኣስቲዩና፡ ካብ ሰማይ ድማ መና መጊቡና እዩ። ሕጂ’ውን እግዚኣብሔር ምሳና እምበር ምስኦም ኣይኮነን ኢናበሉ ጽኑዕ ዝኾነ እምነት ዝመለኦ ተዛረቡ። ከም ሳዕቡኑ ከኣ፡ ነቲ ዝኸሓደን ዝፈረሐን ሬስኡ ኣብ ምድረበዳ ክተርፍ ከም ዝኾነን እቶም ክልት ግና፡ ኢያሱን ካሌብን ናብ ምድሪ ከንኣን ከም ዝኣትውን ቃል ኣተወ እግዚኣብሔር። ዘሑ 13-14
ኣዒንቱ ናብ ላዕሊ ዘበለ ሰብ፡ ኩሉ ናትካ እዩ፡ ጥዕና ናትካ፡ ናይ ዕለት እንጀራይ ናትካ፡ ውሉደይ ውሉድካ፡ ስርሐይ ናትካ፡ ሠናይ ኩሉ ካባኻ እዩ እሞ፡ <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>>
እቲ ናብ ላዕሊ ዝርኢ ሰብ፡
1.    ሓይሊ ኣምላኽን፡ ርድኤት ኣምላኽን የስተውዕል።
ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ደቂ ሞኣብን፡ ደቂ ዓሞናውያን፡ ከረን ስዒርን ንዮሳፋጥ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ካብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጻካ ኣሎ፡ በሉዎ። ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ ንእግዚኣብሔር ኪደልዮ ገጹ መለሰ። ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም ኣወጀ። <<ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ>> (2 ዜና መዋእል 20፡12) ድማ በለ። እቶም ንዮሳፋጥ ክዋግኡ ዝመጹ፡ ብዙሕ ሰራዊት ነንሕድሕዶም ተዛበዑ። ነንሕድሕዶም ተቓተሉ። ምስጢሩ፡ ኣዒንትና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ እዩ።
2.    ኣኽሊል ከም ዝጽበዮ ይርኢ
ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ከም’ቲ እግዚኣብሔር ዝፈትዎ እንተ ተጓዓዝና፡ ኣብ ሰማያት ኣኽሊል ኣለዎ። ምድራዊ ኣኽሊል ኣይኮነን፡ መዝሙር ዳዊት 146፡ <<ብመሳፍንቲ በቲ ኪረድእ ዘይከኣሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ። ትንፋሱ ትወጽዕ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐንኡ ይጠፍእ። ኣምላከ ያዕቆብ ዝረድኤቱ፡ ተስፋኤ ኸኣ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብፁዕ እዩ።>>
ኣብ ኦሎምፒክ ንርእዮ ውድድራት፡ እዞም ኩሎም ተወዳደርቲ፡ ክንደይ ዓመታት ልምምድ ገይሮም እዮም ነታ ናይ ወርቂ መዳልያ ዝወስዱ። ብዙሕ ዓመታት ሓቀይ! ወርቂ ንምውሳድ ንገብሮ ጻዕሪ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ ኣምላኽ ዘዳለወለይ ኣኽሊል ንምውሳድ ከመይ ዘይጽዕረሉ፡ ከመይ ዘይደኽመሉ፤
ስለዚ ህዝቢ እግዚኣብሔር፡ <<ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ>>።
ኣብ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ንርእየሉ ይግበረልና፡ መዋእልና መዋእል መንፈሳዊ ዕብየትን ጽንዓትን ይኹነልና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግለ፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!!!

No comments:

Post a Comment