Monday, January 28, 2013

ንስሓ 5ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 5ይ ክፋል

2.  ናብ ንስሓ ምቅልጣፍ
+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ ከምዚ ይብል፡ ኩሉ ግዜ ንስሓ እቶ፡ ውሱን ግዜ ንንስሓ ኣይትግበር።

+ ቅዱስ በኻምዮስ’ውን፡ “ከርክበሉ እየ ኢልካ ንንስሓ ኣይተጽንሓያ። ምኽንያቱ ከይተዳለኻ ከለኻ፡ ሃንደበት ንነፍስኻ ዝወስዱ  ከይመጹ፡ ኣብ ከቢድ ጸልማትን ዘንደልህጽ ሓውን ነፍስኻ ከይተደርበየት ከላ፡ ጸለምቲ ከይከበቡኻ ከለው፡ ናብ ዘሰንብድ ስፍራ ከይወሰዱኻ ከለው፡ ብዘለካ ኃይሊ ተበራበር። ናብ መንግስቲ ኣምላኽካ ብሰላም ምእንቲ ክትኣቱ፡ ኣብ ንብረት ጐይታኻ እሙን ኩን። 

+ ኣነ ካብቲ ሰናይ ገይሩ ዘታልል፡ ሓጢኡ ዝጠዓስ ይፈቱ።

+ ቅዱስ ባስልዮስ፡ “ዘይምሕጣእ ጽቡቕ እዩ፡ ምስ ሓጣእካ ግና፡ ናብ ንስሓ ጕየ። ምስ ተናሳሕካ ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ድማ ዝበለጸ እዩ። ናብ ሓጢኣት ዘይምምላስካ ግን ብኃይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ነዚ ኩሉ ምስ ፈለጥካ ንኣምላኽ ምምስጋን ይግባእ። ዘውትር ረድኤቱ ምልማን ድማ ሰላም ይህበካ።”    

+ ቅዱስ ኣባ ጢሞቴዎስ፡ “እንተሓጣእካ፡ ሸለል ኣይትበል ኣይትተሃከ ድማ፡ ተቐላጢፍካ ተንስእ። መንገድኻ እንተሰሓትካ ቀኑዕ መንገዲ ክሳብ ትረክብ ንድሕሪት ተመለስ። ምኽንያቱ እታ ቅንዕቲ መንገዲ ጥውይዋይ የብላን። ምንዋሕ ዓመታት’ውን ኣይርከባን። ብቕልጡፍ ናብ ከተማ ሰላም ተብጽሓካ።”

Friday, January 18, 2013

<<ንኣይ ኣባኻ ምጥማቕ የድልየኒ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧>> ማቴ 3፡14


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።
እንቋዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ጥምቀት ብሰላም ኣብጻሓና!
ካብ ሠለስቱ ኣካላት ሓደ ወልደ እግዚአብሔር እቲ ንኣዳም ዘተስፈዎ ዘመን ምስ ኣኸለ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ። ንህላዌኡ ዘመን ዘይቝጸረሉ ወልደ እግዚአብሔር ብተዋሕዶ ዘመን ስለዝተቖጽረሉ ዓመት ምስ መልአ ዘመነ ሉቃስ ዕለተ ሠሉስ ጥሪ ፲፩ ልክዕ ሰዓት ናይ ለይቲ ብኢድ ዮሓንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ወረደ። አፈ እግዚአብሔር ተባሂሎም ብዝፍለጡ ነቢያት ኣቐዲሙ ብትንቢት፡ ብኢድ መሬታዊ ዮሓንስ ከም ዝጥመቕ፡ እንሆ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣለኹ፡ ንሱ ቀቅድመይ መገዲ ክጸርግ እዩ ብኡኡ ከኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ክመጽእ እዩ ይብል ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ሚል ፫፥፩ ከምኡውን ነቢይ ኢሳይያስ እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ድምፁ ዓው ኣቢሉ መገዲ እግዚአብሔር ኣብ ምድረ በዳ ኣዳልዉ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምዕ ከኣ ንኣምላኽና ጽርጊያ ኣቕንዑ፡ ሽንጥሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኵሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን፡ እግዚአብሔር ተዛሪቡ እዩ እሞ ክብሪ እግዚአብሔር ክግለጽ ኵሉ ሰብ ከኣ ኃቢሩ ኺርእዮ እዩ ብምባል ቃል ትንቢት ኣስሚዑ ነበረ። ኢሳ ፵፡፫።

ንስሓ 4ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
አሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 4ይ ክፋል

ከመይ ገይረ ክናሳሕ፤
1.    ካብ ተስፋ ምቁራጽ ምጥንቃቕ።

+ ቅዱስ ኣንጦንዮስ፡ “ብዙሓት ዝወደቑ ኣለው፡ ምስ ተንስኡ ግና ምሉኣት ዝኾኑ። ብዙሓት ከኣ ካብ ሠናይ ግብሪ ናብ ርኹስ ግብሪ ዝተመልሱ ኣለው። ወዲቑ ዝትንስእ ካብቲ ተንሲኡ ዝወድቕ ይበልጽ።”

 + ማር ይስሓቕ፡ “ናይ ቀዳሞት ኣቦታትካ ምውዳቕ ዘክር፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝተነሰሑን በረከት ከም ዝረኸቡን ዘክር። እዚ ኣብ ንስሓኻ ክጸናንዓካ እዩ።”

+ ቅዱስ ሙሴ ጸሊም፡ “እቶም ሠናይ ዝደልዩን ንኣምላኽ ዝፍርሁን፡ ክወድቁ ከለው ተስፋ ኣይቆርጹን፡ እኳ ደኣ ካብ ውድቀቶም ተንሲኦም ንቕሓትን ጥንቁቓትን ንሠናይ ግብሪ ትጕሃትን ይዕጠቑ።”

+ ኣብፋንዮስ፡ “ኣምላኽ ሓጥኣን ክናስሑ ከለው፡ ብዘይመኽሰብ ይጸባጸቦም። ከምቲ ጥፉእ ወድን እታ ኣመንዝራን። (ሉቃ 15፡11-32፡ዮሓ 8፡1-11) ንቅዱሳን ግና፡ ክልቲኡ (እቲ ገንዘብን መኽሰቡን) ይሓቶም። ምኽንያቱ ጐይታ ንደቂ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም፡ <<ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝኅ፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም>> (ማቴ 5፡20) ።

+ ኣባ ኤልያስ፡ “ኣብ ቅድሚ ንስሓ ሓጢኣት ደው ክትብል ኣይትኽእልን እያ።”

Tuesday, January 15, 2013

በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ




በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።


<< በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ >>
 


ናይ በስመ አብ ትርጉም
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዝብል ጸሎት ንሓደ ክርስቲያን ኣብ ዝኾነ ተግባሩ መጀመርያ (መቅድሙ) እዩ። እዚ ናይ ጸሎት ንባብ ክፍሊ ምስ ትርጓሜኡ ኹሉ ክርስቲያን ክምሃሮ ይግባእ። ነዚ ዘይተማህረ ንዝኾነ ጉዳዩ መበገሲኡ ዘይገበረ ፍጹም ክርስቲያን ክበኃል ኣይግባእን ይብሉ  አበው ሊቃውንቲ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ክበኃል ዝግብኦ ስለ ብዙሕ ምኽንያት እዩ። ካብዚኦም ከም እግዚአብሔር ፍቓድ ዝተወሰኑ ክንርኢ ኢና፣-

1. ሥላሴ ዝምስገንሉ ስም ብምዃኑ
    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዝብል ናይ ቅድስት ሥላሴ ስም ብምዃኑ እዩ። ሥላሴ እምቅድመ ዓለም ክጽውዕሉ ዝነበረ ሕጅውን ኣብዚ ዓለም ዝጽውዕሉ ዳኅራይውን ነዛ ዓለም ኣኅሊፎም ብሓድነት ብኣፈ መልኣኽትን ሰብን  ንዘልዓለም ዝምስገንሉ ስሞም እዩ። ሥላሴ ማለት ሠለስትነት ማለት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ ኣምላኽ እዩ። ሓደ አምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ናይ ስም ናይ ግብሪ ናይ ኣካል ሠለስትነት ኣለዎ። እዚ ከኣ ቅድስት ሥላሴ ብስም ብኣካል ብግብሪ ሠለስተ ይኾኑ።
ብስም ፣- አብ ፣ ወልድ ፣ መንፈስ ቅዱስ፣
ብኣካል፣- ንአብ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
           ንወልድ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
           ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ገጽ ፍጹም መልክዕ ፍጹም ኣካል ኣልዎ።
ብግብሪ ፣- አብ ወላዲ ኣስራጺ። ወልድ ተወላዲ። መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ።
 ሓደነቶም ከኣ፣ ብኣገዛዝኣ ብሥልጣን ብመለኮት ነዛ ዓለም ብምፍጣርን ፣ ነዛ ዓለም ብምሕላፍን … እዩ።
ስለዚ ብስም ሥላሴ ከነማዕትብ ከሎና ናይ ሥላሴ ናይ ሠለስትነት ዘመልክት ስም እዩ።

Friday, January 11, 2013

ንስሓ 3ይ ክፋል



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ኣሜን!!!
ንስሓ
ብመንጽር ብሂል ኣበው፡ 3ይ ክፋል
3. መዓስ’ዩ ሰብ ንምሕረት ዝበቅዕ፤
+ ኣባ ኣሞጽ ከምዚ በለ፡
“ኣብ ንስሓ ኣርባዕተ ወሰንቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ከኣ፡ ንሓጢኣት ፈንፊንካ ካብ ምድጋሙ ምቑጣብ፡ (ልባዊ ጣዕሳ)፡ ሓጢኣት ብጻይካ ምሕዳግ፡ ካብ ማሕበር ሓጥኣን ምግላስ፡ ትሑት ልቢ ምውራስን እየን።” 

+ ቅዱስ ማክሲሞስ ድማ፡
“ሥርየት ሓጢኣት ከመይ ከም ዝኾውነ ንኃንጐልካ ኣይትረብሾ። ዘይኅሶ ቃሉ ከምዚ ይብል፡ <<ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኸነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም>> (ማቴ 7፡15) ። ስለዚ ኃንጎልና ብዝገበርናዮ ሓጢኣት እንተተረቢሹ፡ ናብ ጎደና ምሕረት ክንስጕም ኣይንኽእልን ኢና። ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ’ውን ኣይንገብርን። ፍረ ንስሓ ነፍሲ ብዘይስምዒት ክትምራሕ ከላ እዩ። ሰምዒት ዘይብሉ ማለት ድማ ሓጢኣትና ክድምሰስ ኣይክእልን እዩ ኢልና ክንጭነቕ ከሎና እዩ። ልብና ዝስበረሉ ምኽንያት ምስዝፍጠር ናብ ንጽህቲ ንስሓ ንእቶ። ካብ ጸልማት ዝመልኦ ስቓይ ወጺና፡ ናብ ብርሃን ምሕረት ክንኣቱ ኢና።”

ሕቶ፡ “ሓንቲ ነፍሲ፡ ኣምላኽ ምሕረት ከም ዝኣወጀላ ብኸመይ ትፈልጥ፤”

Monday, January 7, 2013

«ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ»


 




«ተወልደ ኢየሱስ በቤተልሔም ዘይሁዳ»  መጽሐፈ ድጓ ገጽ 201
ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ዘይሁዳ ተወሊዱ
እግዚአብሔር ንልደቱ ዝመረጻ ቦታ ቤተልሄም እያ። ቤተልሄም ካብ ኢየሩሳሌም ብደቡብ ትሽዓተ ኪሎሜትር ርሒቃ ትርከብ ከተማ እያ። ቤተልሄም ማለት ቤተ እንጀራ ማለት እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት ብነብዩ ሳሙኤል ንግሥና ዝተቀብኣላ ቦታ እያ። 1ይሳሙ.163 ኣብ ዘመነ ያዕቆብ ኤፍራታ ትብሃል  ዝነበረት ቤተልሄም ናይ ያዕቆብ ሰበይቲ ራሄል ዝሞተትላን ዝተቀበረትላን ቦታ እያ። ኣብ ዘመነ ግዝኣት ዛብሎን  ካልኦት ብቤተልሄም ዝጽውዑ ዓድታት ስለዝነበሩ ካብዚኣቶም ክትፍለ ናይ እሰይን ዳዊትን ከተማ ብምባል ትጽዋዕ። -1ይሳሙ.17-12 ሉቃ.2-4
ቤተልሄም ዘይሁዳ ኤየሱስ ክርስቶስ ስለተወለደላ ናይ እሰይን ዳዊትን ከተማ ተባሂላ ተጸዊዓ።